MENY
Eskilstuna kommun

ትግርኛ

ሓበሬታ ንተቐማጦ Nyfors

ምብጻሕ ገዛ

ሰላም!

ኣብዘን ዚመጻ ኣዋርሕ: እዞም ኣብ ኣገልግሎት ምድሓን ህይወት (räddningstjänsten) እንሰርሕ: ንዅላትኩም ኣብ Nyfors ኣብ ኣፓርታማ እትቕመጡ: ክንበጽሓኩም ክንመጽእ ኢና። ምስ ሓደ ወይ ምስ ኵላቶም ኣባጽሕ ስድራ ብዛዕባ ምክልኻል ባርዕ ሓዊ ክንዛረብ ድላይ ኣሎና። እቲ ምብጻሕ ካብ 3-5 ደቓይቕ ኣቢሉ ኪወስድ’ዩ፤ ነዚ ክንገብር ዝወሰንናሉ ምኽንያት ከኣ ብዛዕባ ድሕነት ባርዕ ሓዊ ዘሎኩም ኣፍልጦ ንምዝያድ’ዩ።

እቶም ንበጽሓኩም ኣብ ኣገልግሎት ምድሓን ህይወት እንሰርሕ ክልተ ሰባት ኢና፤ ምብጻሕ ክንገብር ከለና ኸኣ ኵሉሳዕ ኢና መንነት ወረቐትና ነርኢ። እዚ ኣብ ታሕቲ እትርእይዎ ዘለኹም: ኣብ ማዕጾኹም ክንኵሕኵሕ ከለና ተኸዲንናዮ ንመጽእ ክዳን ዩኒፎርም ዘርኢ ስእሊ’ዩ። ንሸጦ ነገር ፈጺሙ የብልናን፤ ግድን ኣብ ውሽጢ ገዛኹም ምእታው ከኣ ኣየድልየናን’ዩ።

ኣብ እዋን ምብጻሕና: ከመይ ጌርኩም ካብ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ከም ትከላኸሉ ሓበሬታ ክንህበኩም ድላይ ኣሎና። ሽዑ ኣፍኣውን ጽሑፋውን ሓበሬታ ክንህበኩም ኢና። እቲ ጽሑፋዊ ሓበሬታ ብሓያለ ቋንቋታት ዝተዳለወ’ዩ። ኣብ ገዛኹም ኣብ ናሕሲ መጠንቀቒ ባርዕ ሓዊ (brandvarnare) ዘሎኩምን ዘይብልኩም፤ ከምኡ’ውን እቲ መጠንቀቒ ዚሰርሕን ዘይሰርሕን ብኸመይ ከም ትፍትንዎ ኣፍልጦ ዘሎኩምን ዘይብልኩምን ምፍላጥ ከድልየና’ዩ።

ብሰላም የራኽበና!

ኣገልግሎት ምድሓን ህይወት: ኤስኪልስቱና

Räddningstjänsten Eskilstuna


ነዚ ኣብ eskilstuna.se/brandskydd ኣንብብዎ።



Hjälpte informationen på den här sidan dig?

Tack för ditt svar!

Du har nu hjälpt oss att förbättra eskilstuna.se.

Kontakt

Räddningstjänsten
Öppettider

Måndag-fredag 8.00-16.00

Kontakt

016-710 74 00
Skicka e-post
016-14 50 45